World AIDS Day 2025

World AIDS Day 2025 ዓለምለኸ መዓልቲ ኤችኣይቪ ኤድሰ 2018

Campaign Against HIV AIDS 2025

መኸተ ኣንፃር ኤችኣይቪ ኤድሰ 2018

Theme
Overcoming disruption, transforming the AIDS response

መሪሕ ቓል
ዕንቅፋታት ኤድስ ብምስጋር ለውጢ ነምፅእ

እዋናዊ መልእክቲ ካብ ጥምረት International World AIDS Day
መተሓባባሪ ኮሚቴ

መልእኽቲ WAD2025
መበል 38 ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤድስ በቢዓመቱ ሕዳር 22 ብኤድስ ህወቶም ዝሰኣኑ ልዕሊ 40 ሚልየን ህዝቢታት ንምዝካር ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ/ኤድስን ንምፊፃም ቃልና እነሕድስሉን፣ ብዓለምን ብክልልናን “ዕንቅፋታት ምክልኻል ኤድስ ብምስጋር ለውጢ ነምፅእ” ብዝብል መሪሕ ቓል ክዝክር እዩ።

ሕዚ ዘሎ ዝርግሐ ኤች ኣይ ቪ ካብ ቅድሚበኹናት ዝነበሮ ልዕሊ ዕፅፊ ወሲኹ ናብ 3 ምኢታዊ ከምዝተጋደደ መፅናዕቲታት የመላኽቱ።

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያታት ኹናትን ምምዝባልን ፣ ኣገዲድካ ምዕማፅ ደቂ ኣንስትዮ ፣ ከይተመርመርካ ዝፍፀም ወሲብ /መርዓ/ ምብርካቱ ፣ ብዘይ ዓቐን መስተ /ወጋሕ ትበል ለይቲ / ዘይ ልሙዳት ተግባራት ምጥቃም/ኣልኮል፡ሓሽሽን፣ጫትን፣ወዘተ../ቁፅሪ ፋይቶት ምውሳኽ ፣ ሕፅረት መመርመሪ መሳርሒ ፣ኮንዶም ብምግጣሙ ኤችኣይቪ ከም ብሓድሽ ናብ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረሉ ጉዱድ ኩነታት ለበዳ ተመሊስና አለና፡፡

ስለዚ መራሓቲ ትካላት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ስብ ሚድያን ህዝቢ ነዚ ፀገም እዚ ክርዳእን ክነቕሕን መርሕነትኹም ክፃወቱ ፣ ተረክብቲ ዓዲ መናእሰይ ካብ ኤችኣይቪ/ኤድስ ዓርሶም ብምክልኻል ካብ ዘይተደለየ ወልፊ ዓርሶም ኽሕልው፣ቕድሚ መርዓ ምርመራ ኤችኣይቪ ክካየድ ፣ኤችኣይቪ ኤድስ ካብ ኣዶ ናብ ዕሸል ከይመሓላለፍ ናብ ቐረበኣን ዝርከብ ትካል ጥዕና ብምኻድ ግቡእ ክትትል ክግብራ ፃውዕት ነቕርብ።

ነዚ ሓደገኛ ሕማም ንምዕጋት ኩላትና ንረባረበሉ።

  • ቢሮ ጥዕና ትግራይ
  • ትካል ምርምር ጥዕና ትግራይ
  • ዩኒቨርስቲታት ራያ፣ መቐለ፣ ኣኽሱም
  • ገዛና ቢቢቲ ፋውንዴሸን USA & Tigray
  • ኪን ማሕበር ባህሊ ትግራይ
  • ሜዲካል ዩኒቨርሰቲ ኦፍ ሳውዝ ካሮላይና
@solodafox

ወለዶ ከይበርሰ ንከላኸል ኤድሰ World AIDS Day 2025 ዓለምለኸ መዓልቲ ኤችኣይቪ ኤድሰ 2018 Campaign Against HIV AIDS 2025 መኸተ ኣንፃር ኤችኣይቪ ኤድሰ 2018 Sponsors - Tigray Health Bureau -Gezana-BBT foundation - ኪን ማሕበር ባህሊ ትግራይ

♬ original sound - SolodaFox
Share the Post:

Related Posts